Weg­wei­ser für psy­chi­sche Ge­sund­heit im Kan­ton Bern
Weg­wei­ser für psy­chi­sche Ge­sund­heit im Kan­ton Bern
Back

ንምእንቲ እንክን ምስእት ዕረፍቲ ዝተጸምታ ተስፋ

  • ከመይ ኣሎኹ?
  • ኣዝማደይ/መቕርበይ ከመይ ኣለዉ?
  • ኣብ ስዊስ ናብራ ጽቡቕ ንክስምዓኒ: እንታይ ክሕግዘኒ ይኽእል?

ንምእንቲ እንክን ምስእት ዕረፍቲ ዝተጸምታ ተስፋ

piktos_1_selber_annehmen_thumbnail

ነብሰይ ክቕበላ

ዝኾነ ሰብ ፍጹም ኣይኮነን

ነብሰይ ከምታ ዘላታ ክቕበላ ክንብል ከለና፡ ኩሉ‘ቲ ሓያል ጎንታተይ ይፈልጦን ይጥቀመሉን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነዓይ ዘዕግበኒ ነገር እውን ኣጸቢቐ ይፈልጦ። ኣካላተይን ምልክታተይን ብድሌት ክቕበሎን ውሕስነት ክህቦን ይኽእል እየ። ስምዒታተይ ድማ ስለዘለልዮም ነዓይ ዝሰማምዑኒ ውሳኔታት ክገብር ይኽእል እየ። ፍልጠት ሓያል ጎንታተይን ክእለተይን ከኣ ነቶም ድኽመታተይን ጌጋታተይን ክፋል ናተይ ብምዃኖም ክቕበሎም ኣብቂዑኒ። ንባዕለይ ምዃን ማለት ከኣ ዋላ ካልኦት ደስ ኣይበሎም ንነብሰይ ይሓስበላ ማለት‘ዩ። እዚ ከኣ ሓቦ የድልዮ። ግን ከኣ ዶባተይ ኣበይ ምዃኖም ይፈልጥ‘የ ወይ ድማ ኣየኖት ነገራት ይጠቕሙኒ ኣየኖት ይጎድእኒ ኣለለዮም እየ።

  • ኣብ ሓያል ጎነይ ደኣምበር ኣብቲ ድኹም ጎነይ ኣየድህብን እየ። ኣብ ምንታይ እየ ኣነ ምስ ነብሰይ ዕጉብ፧ ኣብ ዝምድናይ ከ እንታይ ዘዕግቡኒ ነገራት ኣለው፧ ኣብ ስርሐይ‘ከ እንታይ ዘዕግቡኒ ኣለው፧ ሎሚ እንታይ ኣሎ ዝገበርክዎ ከሐጉሰኒ ዝኽእል፧ 
  • ሓደ ሓደ እዋን ዝገብሮ ጌጋታት ተመሊሱ የስሕቐኒ‘ዩ፧
piktos_2_reden_thumbnail

ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ምዝራብ

ብዙሓት ነገራት ብዝርርብ እዮም ዝጅመሩ

ብዛዕባ ዝኾነ ዘገድሱ ነገራት ምዝራብ፡ ምስማዕ፡ ምውጋን፡ ምንጻር፡ ምስታፍ፡ ምግላጽ- ጸቕጥን ወጥርን ንምቕናስ ይሕግዝ።  ንሰብ ግዳይን ፈተውቶምን ብዛዕባ ስክፍታታቶም ክዛረቡ ቀሊል ኣይኮነን። እንተደኣ ብዛዕባ ጸገማተይ ምስ ካልኦት ሰባት ክዛረብ ክኢለ ግና፡ መብዝሕትኡ ግዜ ነገራት ብኻልእ ዓይኒ ክርእዮም ወይ ፍታሕ ክረኽበሎም ተኽእሎታት ኣሎ። ሓጎስን ጓሂን ንሓድሕድና ክንካፈል ባህርያዊ ጠባይ ናይ ወድሰብ እዩ።

  • ሎሚ ምስ ሰብ ብዛዕባ ውልቃዊ ጸገማተይ ክዛረብ ግዜ ወሲደ‘ዶ፧
  • ምስ ዝሓዝን ወይ ምስ ዝሕጎስ ንመን ከካፍሎ ይኽእል? መን‘ከ ክሰምዓኒ ይኽእል፧
  • ካብ ነዊሕ እዋን እንታይ እዩ ኩሉ ግዜ ዘሕርቐኒን ሓይለይ ዝውደኣለይን፧ ንመን‘ከ ብዛዕባ‘ዚ ሕርቃነይ ከካፍሎ ይኽእል፧
piktos_3_aktiv_thumbnail

ንጡፍ ምዃን

ምንቅስቓስ ምዝውታር

ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዕለታዊ ተጽዕኖ፡ ታህዋኽን ልዕሊ ዓቕሚ ኩነታት ዘለዎ መነባብሮና ከም መነከዪ ጸቕጢ ይጠቅም። ከም ልሙድ ሰብ ምንቅስቓስ እናነከየ ይኸይድ ኣሎ። ከም ግቡእ ወድሰብ እንተወሓደ 2½ ሰዓታት ኣብ ሰሙን ብመልክዕ መዓልታዊ ንጥፈታት ወይ ስፖርት ክንቀሳቐስ ይግባእ። እዚ ማለት ኩሉ ዓይነት ምንቅስቓስ ካብ 10 ደቒቕ ንላዕሊ ዝኾነን መትንናን ምስትንፋስን ብመጠኑ ዝቐልጠፈ ዓይነት ምንቅስቓስ ክኸውን ኣለዎ።

  • ኣብ ሂወተይ ቀጻሊ ዝኾነ ናይ ምንቅስቓስ ግዜ ኣሎ‘ዶ?
  • ከም ምሕንባስ፡ ኣብ ጫካ ምኻድ፡ ምጉዓዝ፡ ምስዕሳዕ ወዘተ – ደስ ይብሉኒ ድዮም፧ ስለዚ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ጫካ ብምኻድ ሓንጎለይ ዘየሐድስሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ፧
  • ሎሚ ደስ እንዳበለኒ ተንቀሳቒሰ‘ዶ፧ ዋላ‘ውን ኣብ ጀርዲን ምዕያይ ዕጋበትን ሓንጎል መሐደስን እዩ።
piktos_4_lernen_thumbnail

ሓድሽ ነገር ምምሃር

ምምሃር ማለት ሓደስቲ ነገራት ምፍላጥ‘ዩ!

ሓዲሽ ነገር ምምሃር ማለት፡ ካብ ዕለታዊ ገልታዕታዕ ኣውጺኡ ልዑል ድሪኺታትን ስምዒት ነብሰ-ክብረታትን ዝህቡኒ ነገራት ምፍላጥ ማለት እዩ። ሓዲሽ ፍልጠት ክቐስም ድሉው ዝኾነ ሰብ፡ ኣብ ውልቃዊ ሂወቱ ኮነ ኣብ ሞይኡ፡ ቀጻሊ ምዕባለ ክርኢ ዝደሊ ሰብ እዩ። ሓድሽ ፍልጠት ንሓንጎል ዝምልከት ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሙሉኣት ህዋሳት እንኮላይ ዝምልከት እዩ። ስለዚ ሓደስቲ ነገራት ምፍታን ወይ ኣፍልጦ ምድላይ ዶንጒኻ ዝበሃለሉ ጉዳይ ኣይኮነን።

  • እንታይ ክመልኽ ይደሊ፧ እንታይ‘ከ ኣሎ ንኸይክእሎ ዝኽልክለኒ፧ ስለምንታይ ናይ ሳዕስዒት ትምህርቲ ዘይጅምር፡ ናይ ተኒስ ጠረጴዛ ልምምድ ዘይከይድ ወይ ዝኾነ ናይ ሙዚቃ ናውቲ ዘይፍትን፧
  • ተውህቦይን ክእለተይን ኣየኖት እዮም፧ ብኸመይ ክጥቀመሎም ይኽእል፧
  • ኣየኖት ኣገባባት ፍልጠት እዮም ክሳብ ሕጂ ኣብ ሂወተይ ክሕጉዝኒ ዝኸኣሉ፧
piktos_5_freunde_thumbnail

ምስ የዕርኽቱኻ ኩል ግዜ ምርኻብ

ዕርክነት ኣገዳሲ‘ዩ

ምስ የዕሩኽተይ ይፎኽሰኒ እዩ፡ ብዛዕባ ኩሉ ድማ ከዕልሎም ይኽእል። ውሽጣዊ ዕላልና ድማ ንዓና ንሕዞ ወይ ንዘይምልከቶ ኣይንዛረበሉን። የዕሩኽተይ ጸቕጢ ክገብሩለይ ኣይደልን‘ኳ እንተኾንኩ፡ ምስ ዝደልዩኒ ግን ኣብ ጎኖም ኣለኹ ኩሉ ግዜ። የዕሩኽተይ ክቃወሙንን ከም ኣነ ክቕበሉንን ይኽእሉ እዮም።

  • መነባብሮይ ንሓቀኛ ምሕዝነት ግዜ ዝህብ ድዩ፧
  • «ቀንዲ መሓዛ» ወይ «ቀንዲ ዓርኪ» ኣሎ‘ዶ፧
  • ካብ መሓዛይ ወይ ዓርከይ እንታይ ይጽበ፧
  • ኣብ ዕርክነት ከበርክቶ ዝኽእል እንታይ‘ዩ፧
  • ምስ መን ነጻ ጊዘይ ከሕልፍ ይደሊ ምስ መን‘ከ ኣይደልን፧
  • ምሕዝነተይ ተሌፎን ብምድዋል ወይ SMS እንዳጸሓፍኩ ይከናኸኖ።
  • እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ባዕለይ ወሲደ ነዊሕ ዘይራእክዎም ናይ ቀደም የዕሩኽተይ ይድውል።
piktos_6_entspannen_thumbnail

ምርግጋእ

ተረጋጊእካ ሓይልኻ ምሕዳስ

ኣተሓሳስባና ብቀጻሊ ብዝውሕዙ ስእልታት ፥ሓሳባት ፤ከምኡውን ህልው ኣጋጣሚታት ዝተጸልወ እዩ። ስለዚ ከኣ ድሕሪ ንጡፍ ፍጻሜታት ኣብ ገለ እዋን ምርግጋእን ዕረፍትን የድሊ። እንተደኣ ተረጋጊእና ጽቡቕ ይስመዓና፡ ረብሻ የብልናን ንቑሓት ከኣ ንኸውን። ዝተረጋገአ ሰብ ንነብሱ ኮነ ንኻልኦት ብዝሓሸ ክግምግሞምን ተረጋጊኡ ውሳኔታት ክገብር ይኽእል። መረጋግኢ ኣብ ኩሉ ይርከብ። ዝኽፈሎ ዋጋ ድማ የብሉን።

  • ኣብ ዕለታዊ መነባብሮይ ኮነ ኢለ ክረጋግኣሉ ዝኽእለሉ ቦታ ኣለኒ ድዩ፧
  • ምልስ ኢለ ምስ ነብሰይ ክላዘበሉን ቀሲነ ከዕርፈሉን ዝኽእል ቦታ ኣሎ`ዶ፧
  • ኣበየናይ ኩነታት ክረጋጋእ ይኽእል ወይ «ንግዚኡ ኩሉ ክርስዖ» ይኽእል፧ ሙዚቃ ብምስማዕ፡ መዲተሽን፡ ኣብ መናፈሻ ብምኻድ፡ ዮጋ ወይ ምስኣል የድልየኒ ድዩ፧
  • ተወሓደ ሓንሳብ ኣብ ሰሙን ንምርግጋእ ኢለ ናብ ስራሕ ብእግረይ ክኸይድ‘ዶ ይኽእል፧
piktos_7_hilfe_thumbnail

ሓገዝ ምድላይ

ሓገዝ ንምድላይ ትብዓት ይሓትት።

ሓገዝ ዝሓትት ሰብ ብርትዐ ደኣ‘ምበር ድኽመት ኣይኮነን ዘርኢ። እንድሕር ንገለ ሰባት ልበይ ሂበዮም ክሕግዙኒ ዝኽእሉ ሰባት ኣለው። ሓገዝ ስለ ዝደለኹ ድኹም ሰብ ኣይኮንኩን። ሓገዝ ምድላይ ማለት ምትእምማን ማለት‘ዩ በቲ ሓደ ወገን። በዚ ኣገባብ ከኣ ብንጥፈት ክምክቶን ስምዒታተይን ስክፍትታተይን ካብ ዓቕመይ ንላዕሊ ክኾኑን ኣይክእሉን። ኣብ ፍሉይ ከበድቲ ኩነታት ድማ ኣብቲ ቀንዲ ሓይልኻ ምቱኳርን ዝተረፉ ዕዮታት ምርጋፍን ሓገዝ ምድላይን ኣገዳስነቱ ዕዙዝ እዩ። እዚ ከኣ እምነት  ንኻልኦትን ብኻልኦትን የጥሪ።

  • ሓገዝ ምስ ዝደሊ ከም ዝረክብ ክተኣማመን ይኽእል ድየ፧
  • ካልኦት ሰባት ሽግራት ካብቲ ናተይ ዝፍለ ኣገባብ ጌሮም ብምፍትሖም ክቕበሎ ይኽእል ድየ፧
  • ሓገዝ ክደሊ ከለኹ‘ኸ ናይ ደገፍ ስምዒታት ይፈልጦም ድየ፧
  • ንሳቶም ሞያዊ ሓገዝ ዘአንግዱ እንተኾይኖም: «መዓስ‘የ ንመጨረሻ እዋን ክሕግዙኒ ዝደለኹ፤
  • ናብ መን እሙን ሰብ ክኸይድ ይኽእል ሓገዝ ምስ ዝደልይ፧
piktos_8_kreativ_thumbnail

ምጥባብ

ጥበብ ኣብ ነፍስ-ወከፍና ኣላ!

ብዙሓት ሰባት ብቓላት ክገልጽዎ ዘይክእሉ ድሌት፡ ምንዮት፡ ፍርህን ሓሳባትን ኣብ ውሽጦም ኣለዎም። ብናይ ጥበብ መግለጺ ግና ከም ስእሊ፡ ሙዚቃ፡ ምዝናቕ፡ ምኽሻን፡ ኣትክልቲ ብምትካልን ካልኦት ኣገባብን ስምዒታቶም ከርውዩን ክገልጹን ይረኣዩ። ስለዚ ስነ-ጥበብ ንዘጻብቡ ጸቕጢ የፋዂስ። በዚ መሰረት ከኣ ክረጋጋእን ሓይሊ ክድልብን ይኽእል።

  • ስነ-ጥበብ ንምዝውታር ቦታ ይርከብ ድዩ፧
  • ናተይ ትምኒት ምስ ዓበኹ እንታይ‘ዩ፧ ማያዊ ኣካላት ምስኣል፧ ጊታር ምጻወት፧ ጀርዲን ምኹስኳስ፧ ትምህርቲ ናይ ስነ-ጽሑፍ ምኻድ፧
piktos_9_beteiligen_thumbnail

ምስታፍ

ደቂ-ሰባት ማሕበራዊ ኣካላት እዮም።

ኣባል ናይ ሓደ ማሕበር ምዃን ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ ናይ ሂወት ተመክሮ እዩ። ሕብረት ሓቦ ንምትእኽኻብ ትደሊ። ተሳታፍነት ማለት ከኣ፡ ንዓይ ኣገደስቲ ዝኾኑ ትምኒታት፡ ድሌታት፡ ክእለት፡ ፍርሂን ተስፋን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ነገራት ምትግባር ማለት‘ዩ። ሓባራዊ ናብራ ሓቢርካ ምንባር ማለት ነዓይ፡ ብፈተውተይ ይድገፍን ንፈተውተይ ይድግፍን ማለት‘ዩ።

  • ኣበየናይ ጉጅለ ክኸውን ይፈቱ፧
  • ዝኾነ እኩብ፡ ማሕበር፡ ክበብ ወዘተ ክሳተፈሉ ዝኽእል ኣሎ ድዩ፧
  • መጀመርያ ናብ ማሕበራት ንኽኸይድ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧ መን ኣብኡ ክሕግዘኒ ይኽእል፧
  • ንመጨረሽታ ግዜ መዓስ‘የ ኣብ ዓቢ ፌስታ ዝተሳተፍኩ፧
piktos_10_nicht_aufgeben_thumbnail

ተስፋ ዘይምቑራጽ

ቅልውላው ሂወት ምምካት

ስምዒታት ከም ስንባደ፡ ሓዘን ከምኡ ድማ ዘጨንቑ ሕሉፍ ኩነታት ንምርስዖም ግዜ ይሓቱ እዮም። ስለዚ ድማ እዚ ግዜ ክትጥቀመሉን ኣብ ከቢድ ኩነታት ንኻልኦት‘ውን ግዜ ክትህብን ኣገዳሲ እዩ። ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ምስ ዝኸውን ግና ኣብቲ ኣገዳሲ መስርሕ ምንባር (ከም ኣመጋግባ፡ ጥዑም ኣየር ምትንፋስ፡ ድቃስ፡ ምንቅስቓስ) ምቱኳር ኣገዳሲ እዩ። ንበይነይ ዝኾነሉ ምኽንያት ዋላሓንቲ የልቦን። ኣብ ከምዚ ከቢድ ኩነታት ናይ ክኢላታት ሓገዝ ክሓትትን ክቕበልን ሕጋዊ መሰለይ እዩ።

  • «ናይ መድሕን ባእታታት» ኣብ እዋን ቅልውላው ይረክብ ድየ፧
  • ተስፋ ናይ ምንባር ዝቖረጹ ሰባት ይፈልጥ ድየ፧
  • ኣብ እዋን ቅልውላው ሞያዊ ሓገዝ ይርከብ ድዩ፧
  • እንታይ ነገራት እዮም ኣብ ግዜ ቅልውላው ጽንዓት ዝህቡኒ፧

ደገፍ ወይ መሰንይታ ሓገዝ ኣብ እትደልይሉ: እዘን ዝስዕባ ናይ ደገፍሞያዊ ትካላት ይሕግዛኹም

  • ዞባ ማእከላይ መሬት በርን ኤመንታል:ኦቨርኣርጋው: Isa Bern: 031 310 12 72
  • ዞባ ቢል:ሰላንድ:በርነር ዩራ: Multimondo Biel: 032 322 50 20
  • ዞባ ቱን:በርነር ኦቨርላንድ: KIO Thun: 033 223 50 75