ንምእንቲ እንክን ምስእት ዕረፍቲ ዝተጸምታ ተስፋ
- ከመይ ኣሎኹ?
- ኣዝማደይ/መቕርበይ ከመይ ኣለዉ?
- ኣብ ስዊስ ናብራ ጽቡቕ ንክስምዓኒ: እንታይ ክሕግዘኒ ይኽእል?
ዝኾነ ሰብ ፍጹም ኣይኮነን
ነብሰይ ከምታ ዘላታ ክቕበላ ክንብል ከለና፡ ኩሉ‘ቲ ሓያል ጎንታተይ ይፈልጦን ይጥቀመሉን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነዓይ ዘዕግበኒ ነገር እውን ኣጸቢቐ ይፈልጦ። ኣካላተይን ምልክታተይን ብድሌት ክቕበሎን ውሕስነት ክህቦን ይኽእል እየ። ስምዒታተይ ድማ ስለዘለልዮም ነዓይ ዝሰማምዑኒ ውሳኔታት ክገብር ይኽእል እየ። ፍልጠት ሓያል ጎንታተይን ክእለተይን ከኣ ነቶም ድኽመታተይን ጌጋታተይን ክፋል ናተይ ብምዃኖም ክቕበሎም ኣብቂዑኒ። ንባዕለይ ምዃን ማለት ከኣ ዋላ ካልኦት ደስ ኣይበሎም ንነብሰይ ይሓስበላ ማለት‘ዩ። እዚ ከኣ ሓቦ የድልዮ። ግን ከኣ ዶባተይ ኣበይ ምዃኖም ይፈልጥ‘የ ወይ ድማ ኣየኖት ነገራት ይጠቕሙኒ ኣየኖት ይጎድእኒ ኣለለዮም እየ።
ብዙሓት ነገራት ብዝርርብ እዮም ዝጅመሩ
ብዛዕባ ዝኾነ ዘገድሱ ነገራት ምዝራብ፡ ምስማዕ፡ ምውጋን፡ ምንጻር፡ ምስታፍ፡ ምግላጽ- ጸቕጥን ወጥርን ንምቕናስ ይሕግዝ። ንሰብ ግዳይን ፈተውቶምን ብዛዕባ ስክፍታታቶም ክዛረቡ ቀሊል ኣይኮነን። እንተደኣ ብዛዕባ ጸገማተይ ምስ ካልኦት ሰባት ክዛረብ ክኢለ ግና፡ መብዝሕትኡ ግዜ ነገራት ብኻልእ ዓይኒ ክርእዮም ወይ ፍታሕ ክረኽበሎም ተኽእሎታት ኣሎ። ሓጎስን ጓሂን ንሓድሕድና ክንካፈል ባህርያዊ ጠባይ ናይ ወድሰብ እዩ።
ምንቅስቓስ ምዝውታር
ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዕለታዊ ተጽዕኖ፡ ታህዋኽን ልዕሊ ዓቕሚ ኩነታት ዘለዎ መነባብሮና ከም መነከዪ ጸቕጢ ይጠቅም። ከም ልሙድ ሰብ ምንቅስቓስ እናነከየ ይኸይድ ኣሎ። ከም ግቡእ ወድሰብ እንተወሓደ 2½ ሰዓታት ኣብ ሰሙን ብመልክዕ መዓልታዊ ንጥፈታት ወይ ስፖርት ክንቀሳቐስ ይግባእ። እዚ ማለት ኩሉ ዓይነት ምንቅስቓስ ካብ 10 ደቒቕ ንላዕሊ ዝኾነን መትንናን ምስትንፋስን ብመጠኑ ዝቐልጠፈ ዓይነት ምንቅስቓስ ክኸውን ኣለዎ።
ምምሃር ማለት ሓደስቲ ነገራት ምፍላጥ‘ዩ!
ሓዲሽ ነገር ምምሃር ማለት፡ ካብ ዕለታዊ ገልታዕታዕ ኣውጺኡ ልዑል ድሪኺታትን ስምዒት ነብሰ-ክብረታትን ዝህቡኒ ነገራት ምፍላጥ ማለት እዩ። ሓዲሽ ፍልጠት ክቐስም ድሉው ዝኾነ ሰብ፡ ኣብ ውልቃዊ ሂወቱ ኮነ ኣብ ሞይኡ፡ ቀጻሊ ምዕባለ ክርኢ ዝደሊ ሰብ እዩ። ሓድሽ ፍልጠት ንሓንጎል ዝምልከት ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሙሉኣት ህዋሳት እንኮላይ ዝምልከት እዩ። ስለዚ ሓደስቲ ነገራት ምፍታን ወይ ኣፍልጦ ምድላይ ዶንጒኻ ዝበሃለሉ ጉዳይ ኣይኮነን።
ዕርክነት ኣገዳሲ‘ዩ
ምስ የዕሩኽተይ ይፎኽሰኒ እዩ፡ ብዛዕባ ኩሉ ድማ ከዕልሎም ይኽእል። ውሽጣዊ ዕላልና ድማ ንዓና ንሕዞ ወይ ንዘይምልከቶ ኣይንዛረበሉን። የዕሩኽተይ ጸቕጢ ክገብሩለይ ኣይደልን‘ኳ እንተኾንኩ፡ ምስ ዝደልዩኒ ግን ኣብ ጎኖም ኣለኹ ኩሉ ግዜ። የዕሩኽተይ ክቃወሙንን ከም ኣነ ክቕበሉንን ይኽእሉ እዮም።
ተረጋጊእካ ሓይልኻ ምሕዳስ
ኣተሓሳስባና ብቀጻሊ ብዝውሕዙ ስእልታት ፥ሓሳባት ፤ከምኡውን ህልው ኣጋጣሚታት ዝተጸልወ እዩ። ስለዚ ከኣ ድሕሪ ንጡፍ ፍጻሜታት ኣብ ገለ እዋን ምርግጋእን ዕረፍትን የድሊ። እንተደኣ ተረጋጊእና ጽቡቕ ይስመዓና፡ ረብሻ የብልናን ንቑሓት ከኣ ንኸውን። ዝተረጋገአ ሰብ ንነብሱ ኮነ ንኻልኦት ብዝሓሸ ክግምግሞምን ተረጋጊኡ ውሳኔታት ክገብር ይኽእል። መረጋግኢ ኣብ ኩሉ ይርከብ። ዝኽፈሎ ዋጋ ድማ የብሉን።
ሓገዝ ንምድላይ ትብዓት ይሓትት።
ሓገዝ ዝሓትት ሰብ ብርትዐ ደኣ‘ምበር ድኽመት ኣይኮነን ዘርኢ። እንድሕር ንገለ ሰባት ልበይ ሂበዮም ክሕግዙኒ ዝኽእሉ ሰባት ኣለው። ሓገዝ ስለ ዝደለኹ ድኹም ሰብ ኣይኮንኩን። ሓገዝ ምድላይ ማለት ምትእምማን ማለት‘ዩ በቲ ሓደ ወገን። በዚ ኣገባብ ከኣ ብንጥፈት ክምክቶን ስምዒታተይን ስክፍትታተይን ካብ ዓቕመይ ንላዕሊ ክኾኑን ኣይክእሉን። ኣብ ፍሉይ ከበድቲ ኩነታት ድማ ኣብቲ ቀንዲ ሓይልኻ ምቱኳርን ዝተረፉ ዕዮታት ምርጋፍን ሓገዝ ምድላይን ኣገዳስነቱ ዕዙዝ እዩ። እዚ ከኣ እምነት ንኻልኦትን ብኻልኦትን የጥሪ።
ጥበብ ኣብ ነፍስ-ወከፍና ኣላ!
ብዙሓት ሰባት ብቓላት ክገልጽዎ ዘይክእሉ ድሌት፡ ምንዮት፡ ፍርህን ሓሳባትን ኣብ ውሽጦም ኣለዎም። ብናይ ጥበብ መግለጺ ግና ከም ስእሊ፡ ሙዚቃ፡ ምዝናቕ፡ ምኽሻን፡ ኣትክልቲ ብምትካልን ካልኦት ኣገባብን ስምዒታቶም ከርውዩን ክገልጹን ይረኣዩ። ስለዚ ስነ-ጥበብ ንዘጻብቡ ጸቕጢ የፋዂስ። በዚ መሰረት ከኣ ክረጋጋእን ሓይሊ ክድልብን ይኽእል።
ደቂ-ሰባት ማሕበራዊ ኣካላት እዮም።
ኣባል ናይ ሓደ ማሕበር ምዃን ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ ናይ ሂወት ተመክሮ እዩ። ሕብረት ሓቦ ንምትእኽኻብ ትደሊ። ተሳታፍነት ማለት ከኣ፡ ንዓይ ኣገደስቲ ዝኾኑ ትምኒታት፡ ድሌታት፡ ክእለት፡ ፍርሂን ተስፋን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ነገራት ምትግባር ማለት‘ዩ። ሓባራዊ ናብራ ሓቢርካ ምንባር ማለት ነዓይ፡ ብፈተውተይ ይድገፍን ንፈተውተይ ይድግፍን ማለት‘ዩ።
ቅልውላው ሂወት ምምካት
ስምዒታት ከም ስንባደ፡ ሓዘን ከምኡ ድማ ዘጨንቑ ሕሉፍ ኩነታት ንምርስዖም ግዜ ይሓቱ እዮም። ስለዚ ድማ እዚ ግዜ ክትጥቀመሉን ኣብ ከቢድ ኩነታት ንኻልኦት‘ውን ግዜ ክትህብን ኣገዳሲ እዩ። ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ምስ ዝኸውን ግና ኣብቲ ኣገዳሲ መስርሕ ምንባር (ከም ኣመጋግባ፡ ጥዑም ኣየር ምትንፋስ፡ ድቃስ፡ ምንቅስቓስ) ምቱኳር ኣገዳሲ እዩ። ንበይነይ ዝኾነሉ ምኽንያት ዋላሓንቲ የልቦን። ኣብ ከምዚ ከቢድ ኩነታት ናይ ክኢላታት ሓገዝ ክሓትትን ክቕበልን ሕጋዊ መሰለይ እዩ።